Supporting information for parents (Tigrinya)

ሓጋዚ ሓበሬታ ንወለዲ - ቦሎህ: ናይ ኮቪድ-19 ናይ ሓገዝ መስመር ንጸለምቲ፡ ኤስያዊን ከምኡ'ውን ስድራቤት ናይ ውሑዳት ብሄር

ብዛዕባ ናይ ሓገዝ መስመር ቦሎህ:

ናይ ሓገዝ መስመር ቦሎህ ብምወላ National Emergencies Trust (ሃገራዊ ማዕከን ኢመርጀንሲ) ኣብ መጀመርታ ጥቅምቲ ብ ባርናርዶ’s ዝተበገሰ ኣገልግሎት እዩ። እዚ ናይ ሓገዝ መስመር ግብረመልሲ ጽልዋ ለበዳ ኣብ’ቶም ብዘይ መጠን ዝተተንከፉ ጸለምቲ፡ ኤስያውያንን ናይ ውሑዳት ኮምን እዩ።

ሰራሕተኛታት ናይ ሓገዝ መስመር ጸለምቲ፡ ኤስያውያንን ናይ ውሑዳት ኮም እዮም ወይ ከኣ ንሳቶም ኣቐዲሙ ሞያዊ ተመክሮ ንቆልዑ፡ መንእሰያትን ስድራቤቶምን ናይ ምሃብ ኣገልግሎት ካብ እዞም ሕብረተሰባት ዘለዎም እዮም።

ብኸመይ ክንሕግዝ ንኽእል?

ብኮቪድ-19 ዝተተንከፍካ ጸሊም፡ ኤስያዊ ወይ ቆልዓ ናይ ውሑዳት ብሄር፡ መንእሰይ፡ ወላዲ ወይ ሓላፍነት ዘሎካ ሰብ ዲኻ? እወ እንተኾይኑ፡ ተፍቅርዎ ሲኢንኩም፡ ክሳራ፡ ስራሕ ኣልቦነት፡ ገንዘባዊ ጸገም፡ ብዛዕባ ናይ ውላድኩም ትምህርቲ ወይ መጻኢ ተሻቒልኩም፡ ብዛዕባ ዓርከ መሓዛ ወይ ስድራቤት ተሻቒልኩም፡ ብዛዕባ ኣብ ገዛ ምዕጻው ጸቕጢ ተሰሚዕኩምን ተሸጊርኩምን ክትኮኑ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ ርእሲ እዚኦም፡ ንስኹም ብዛዕባ ካልኦት ነገራት ውን ተሻቒልኩም ትኾኑ። ኣብ’ዚ እዋን እዚ ብዛዕባ ሻቕሎትኩም፡ ጸገማትን ጸቕጥታትን ምሳና ክትዛረቡ ትኽእሉ ኢኹም ከምኡ ድማ ስሚዒታዊ ደገፍ፡ ግብራዊ ደገፍን ንህብ ኢና ከምኡ ድማ ናይ ካልኦት ዝያዳ ሓገዝ ክህባ ዝኽእላ ትካላት ሓበሬታ ክንህበኩም ንኽእል ኢና።

እቲ ንህቦ ደገፍ ንዓኹምን ነቶም ትሕብሕብዎም ቆልዓ(ዑን) እዩ። ኣብ ናትና መርበብ ሓበሬታ ብዘሎ ናይ ኢንተርነት ናይ ዕላል መሳለጥያ ክትድውሉልና ወይ ምሳና ከተዕልሉ ትኽእሉ ኢኹም። ናትኩም ዝርዝራዊ ሓበሬታ ንዓና ከተካፍሉና ኣየድልየኩምን እዩ፡ ኮይኑ ግን እንተዳኣ ናብ ናትና ናይ ተራፒ ጉጅለ ወይ ካልኦት ኣገልግሎት ክትውከሱ ደሊኹም፡ ናትኩም ዝርዝር ክንወስድን ብናትኩም ፍቓድ ድማ ከነካፍሎን ከድልየና እዩ። ብተወሳኺ ውን ኣብ ናትና መርበብ ሓበሬታ ክትኣትዉ ትኽእሉ ኢኹም በዚ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ንኣብነት ከም ስሚዒታዊ ጥዕና፡ ምሕጋዝ ስድራቤታት ሓዘንን ሰብ ምጉዳልን ሓጋዚ ምኽሪ ክትረኽቡ ትኽእሉ።

ምስ ናይ ሓገዝ መስመር ርክብ ምስ ገበርኩም እንታይ ይኸውን?

ካብ ናይ ምቕሉል ናይ ሓገዝ መስመር ኣማኻሪ መልሲ ክትረኽቡ ኢኹም፡ ንሱ ከኣ ብዛዕባ ንስኹምን ውላድኩም/ደቅኩምን ትሓልፍዎ ዘለኹም ክዛረበኩም እዩ። እቲ ናይ ሓገዝ መስመር ኣማኻሪ ክሰምዓኩም፥ ከምኡ ድማ ብዛዕባ ዘድልየኩም ደገፍንን ምኽርን ድማ ኣብ ምውሳን ክሕግዘኩም እዩ። ብናትኩም ስምምዕ፡ እቲ ናይ ሓገዝ መስመር ኣማኻሪ ምሳኹም ብዙሕ ደወላት ክህልዎ ይኽእል እዩ ከምኡ ድማ ንዓኹም ኣብ ዝጥዕም ግዜ መደብ ብምስራዕ ተመሊሶም ክድውልልኩም ይኽእሉ እዮም።

እቲ ናይ ሓገዝ መስመር ኣማኻሪ ንዓኹምን ወይ ንውላድኩም/ደቅኹም ምስ ሓደ ካብ ናትና ተራፒስትታት ክትዘራረቡ ሹድሽተ ናይ ምኽሪ ርክባት ንክህልወኩም ክሰርዓልኩም ይኽእል እዩ። ተወሰኽቲ ዝርርባት ምስ ዘድሊ ውን ከም ኣድላይነቱ ትውስኹ፡፡ እቶም ናይ ርክብ ግዜያት ብቴለፎን ዝካየዱ ኮይኖም፡ ሓደ ግዜ ወይ ክልተ ግዜ ኣብ ሰሙን፡ ኣብ ጠለባትን ኩነታትን ናትኩም ስድራቤት ብሙሙርኳስ እዩ። እቲ ናይ መጀመርታን ሻድሻይን ናይ ርክብ ግዜ ን45 ደቓይቕ ክኸውን እዩ፡ እዚ ከኣ ንናይ መጀመርታ መሰረታዊ ግምገማ ኣብ ሰለስተ ወሰንቲ ብድሆታት እታ ስድራቤት ወይ ውልቀሰብ ዘጋጥሞም ዘሎ ንምግባር እዩ፡ እቲ ናይ መወዳእታ ናይ ርክብ ግዜ ድማ ንምዝታይን ከምኡ ውን ኣብ እዋን እቲ ኣገልግሎት ዝተገብረ ምዕባለታት ንምምዝጋብ እዩ። ካብ ካልኣይ ክሳብ ሓሙሻይ ዘሎ ርክባት ናይ ነፍሲወከፈን ናይ 30 ደቓይቕ ርክባት፡ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ርክብ ዝተለለዩ ወሰንቲ ብድሆታት ንምርኣይ ናይ ተራፐቲክ ደገፍ ይሕዝ።

እቲ ደገፍ ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ክውሃብ ይኽእል ድዩ?

ናህና ናይ ሓገዝ መስመር ኣማኸርቲ ብእንግሊዝኛ፡ ኡርዱ፡ ሂንዲ፡ ሚርፑሪን ፑንጃቢን ኣገልግሎት ክህቡ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ታህሳስ 2020፡ እቶም ዘለው ቋንቋታት ኣምሓርኛን ትግርኛን ብምእታው ክሰፍሑ እዮም፡ ከምኡ ድማ ብካልኦት ቋንቋታት ተርጎምቲ ክዳለው ይኽእሉ እዮም። ናይ ተራፐቲክ ርክባት በዞም ዝስዕቡ ቋንቋታት ክውሃቡ ይኽእሉ እዮም፡ እንግሊዝኛ፡ በንጋሊ፡ ሂንዲ፡ ፈረንሳይኛ፡ ፑንጃቢን ግሪኽን።

መጽናዕታዊ ጉዳይ

እዞም መጽናዕትታት ጉዳያት ከመይ ገይሩ ናይ ቦሎህ ናይ ሓገዝ መስመር ሓገዝ ይህብ ኣብነታት ይቕርቡ።

ማርታ ኣደ ኣብቲ ከባቢኦም ዝርከብ ካልኣይ ደረጃ ዝምሃሩ ክልተ ኣጓብዝ ወይ ጎራዙ እያ። ማርታ ብዛዕባ ትምህርቲ ምኻድ ምእባይ ዝጀመረ ወዲ 15 ዓመት ወዳ ክትሻቐል ጀሚራ፡ እዚ ከኣ ኮሮና ቫይረስ ክይሕዞ ስለዝፈረሐ እዩ። ማርታ ነዚ ነገር ምስ ናይ ወዳ መምህር ተዛሪባትሉ ከምኡ ድማ ንሳ ሓገዝ ምእንቲ ክትሓትት ናይ ቦሎህ ናይ ሓገዝ መስመር ተዋሂባ።

ማርታ ነቲ ናይ ሓገዝ መስመር ብምውካስ ንናይ ሓገዝ መስመር ኣማኻሪ ናዝ ተዛሪባቶ። ማርታ ነዚ ዝስዕብ ምስ ናዝ ተኻፊላቶ፡ ‘’ወደይ ጸለምቲ ሰባት ዝያዳ ብኮቪድ ናይ ሙማት ተኽእሎ ኣለዎም፡ ሰሚዑ ስለዚ ድማ ብናይ ጭንቀት መወቃዕቲ ይሳቐ ኣሎ። ክንመውት ዲና እናበለ ይሓተና ኣሎ ከምኡ’ውን ናብ ትምህርቲ ንምኻድ ካብ ገዛ ክወጽእ ኣይደልን እዩ። ንሕና ብርግጽ ብዛዕቡኡ ተሻቒልና ኣሎና ከምኡ ድማ እንታይ ከምንገብር ኣይንፈልጥን።” ኣብ ብዙሕ ደወላት፡ ናዝ ምስ ማርታ ብዛዕባ ፍርሂታታን ጭንቀታታት ናይ ወዳ ንምዝርራብ ሰሪሑ፡ ስለዚ ድማ ንሳ ወዳ ምስ ተራፒስት ኩሉ ሻቕሎቱን ጭንቀቱን ክዛረብ ምኽሪ ክወስድ ተሰማሚዓ። ክልቲኦም ማርታን ወዳን ምስ ተራፒስት ነናይ ውልቆም ናይ ምኽሪ ርክባት ክገብሩ ጀሚሮም። ወዲ ማርታ ጭንቀታቱ ብዛዕባ ኮቪድ-19 ክቆጻጸር ዳርጋ ኣብ መገዲ ይርከብ።

መጽናዕታዊ ጉዳይ

ካልሆን ነቲ ኣብ ናይ ኢንተርነት ዕላል ዘሎ ናይ ሓገዝ መስመር ዝረኸበሉ መገዲ ኣብ ናቱ ናይ ፈይስ ቡክ ገጽ ዝተለጠፈ መልእኽቲ ድሕሪ ምርኣዩ እዩ ተወኪስዎም። ንሱ ከምዝበሎ መጀመርታ ብዘይ ክፍሊት ካብ ስራሕ ኣብ ገዛ ክጸንሕ ተጌሩ ካብኡ ድማ ስራሕ ኣልቦ ከምዝኾነ ገሊጹ። ንሱ ክራይ ገዛ ክኸፍልን ከምኡ’ውን መግቢ ንስድርኡ ክገዝእ ስለዘይክእል ተሻቒሉ ኣሎ። ኣብ እዋን ናይቲ ናይ ኢንተርነት ዕላል ምስ ናይ ሓገዝ መስመር ኣማኻሪ፡ ነቲ ናይ ሓገዝ መስመር ኣማኻሪ ብዛዕባ ኩነታቱ ክዛረብ ክድውለሉ ሓቲትዎ። ሳራ፡ ናይ ሓገዝ መስመር ኣማኻሪት ንካልሆን ረኺባቶ ስለዚ ድማ ብዛዕባ ኩነታቱ ተዘራሪቦም። ሳራ ኩሉ እቲ ሓበሬታ ብምውሳድን ብናይ ካልሆን ፍቓድን ስምምዕን ድማ ምስ ናይ ኣብ ባርናርዶን ከምኡ’ውን ካልኦት ክሕግዙ ዝኽእሉን ትካላት ቅሩብ መጽናዕቲ ክትገብር እያ። ሳራ ምስ ብዙሓት ኣብ’ቲ ካልሆን ዝነብረሉ ቦታ ዘለው ኣገልግሎታት ተዛሪባ ከምኡ ድማ ንካልሆንን ስድራቤቱን ብዝበለጸ ክሕግዙ ዝኽእሉ ቀንዲ ኣገልግሎታት ንምልላይ ሰሪሓ። ሳራ ካብኡ ነዚ ሓበሬታ ምስ ካልሆን ተኻፊላቶ፡ ንሱ ምስ ናይ’ቲ ቦታ ግብረሰናይ ትካል ርክብ ጌሩ ንሳቶም ድማ ንዑኡን ስድራቤቱን ሓገዝ ጌረሙሎም።

ናትና ራኢ ንጸለምቲ፡ ኤስያውያንን ከምኡ’ውን ቆልዑ ናይ ውሑዳት ብሄራትን መንእሰያትን ናቶም ውሽጣዊ ሓይሊ ብምምዕባልን ብድሆታት ናይ’ዚ ለበዳን ኪንዩኡን መኪቶምዎ ምርኣይ እዩ።  ነዚ ራኢ ንምጭባጥ ንሕና ብጣዕሚ ምስኹም ክንሰርሕ ንደሊ ኢና፡ ስለዚ ብኽብረትኩም ሓገዝ እንተድኣ ደሊኹም ብመንገዲ እዚ ዝስዕባ ምሳና ተዘራረቡ፡

ናጻ ቴለፎን፡ 0800 151 2605

ኢ-መይል Boloh.helpline@barnardos.org.uk

ድሕረገጽ ኢንተርነት: https://helpline.barnardos.org.uk/