Boloh - Tigrinya

ናብ ቦሎህ, ባርናርዶ ናይ ኮቪድ-19 ናይ ሓገዝ መስመርን ከምኡ’ውን ናይ ኢንተርነት ዕላል ን11+ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም

ናብ 0800 1512605 ደውሉልና ወይ ኣብ መስመር ኢንተርኔት ምሳና ኣዕልሉ

ብኮቪድ-19 ዝተተንከፍካ ጸሊም፡ ኤስያዊ ወይ ቆልዓ ናይ ውሑዳት ብሄር፡ መንእሰይ፡ ወላዲ ወይ ሓላፍነት ዘሎካ ሰብ ዲኻ? ኣብ’ዚ እዋን እዚ ብዛዕባ ሻቕሎትኩም፡ ጸገማትን ጸቕጥታትን ምሳና ክትዛረቡ ትኽእሉ ኢኹም ከምኡ ድማ ስሚዒታዊ ደገፍ፡ ግብራዊ ደገፍን ንህብ ኢና ከምኡ ድማ ናይ ካልኦት ዝያዳ ሓገዝ ክህባ ዝኽእላ ትካላት ሓበሬታ ክንህበኩም ንኽእል ኢና።

ሰብ ሞያዊ እንተኾንኩም፡ ንስኹም ውን ንቆልዓ ወይ ምሳኹም ንዝሰርሕ ዘሎ መንእሰይ ብኸመይ ይድገፉ ክትረኽቡና ትኽእሉ ኢኹም።

ምሳና ተዘራረቡ

ንሕና ካብ ሶኒ ክሳብ ዓርቢ ካብ 1 ድ/ቀ ክሳብ 8 ድ/ቀ ክንዘራረብ ዱሉዋት ኢና

ብብዙሕ ቋንቋታት፡ ቦሎህ ማለት ተዛረብ ማለት እዩ።

በዚ ለበዳ እንተድኣ ተተንኪፍኩም ኮይንኩም ከምኡ ድማ ምኽሪ እንተድኣ ደሊኹም ወይ ተዘራርብዎ ሰብ፡ ንዓና ኣብ 0800 1512605 ብሚስጢር ክትዛረቡና ትኽእሉ ኢኹም፡ ወይ እንተድኣ ምስ ናይ ስፐሻሊስት ናይ ደገፍ ኣማኻሪ ናይ ኢንተርነት ዕላል መሪጽኩም፡ ነዚ ኣብ ታሕቲ የማን ዘሎ ብምጥዋቕ  ብመገዲ እዋናዊ ናይ ኢንተርነት ዕላል ክትገብርዎ ትኽእሉ ኢኹም። ናትና ስልጠና ዝወሰዱ ኣባላት ንናትኩም ደወል ናይ ቴለፎን ወይ ናይ ኢንተርነት ዕላል ካብ ሶኒ ክሳብ ዓርቢ ካብ 1 ድ/ቀ ክሳብ 8 ድ/ቀ ይጽበዩ ኣለዉ

እንተድኣ ሞት ናይ ተፍቅርዎ፡ ጉድለት ጥዕና፡ ተስፋ ምቑራጽ ወይ ብዛዕባ ምዕጻው ኣብ ገዛ ምሽቓል፡ ስሚዒት ምንጻል፡ ብዛዕባ ዓርከ-መሓዛ ምሽቓል፡ ብዛዕባ ገንዘብኩም ምሽቓል፡ ስራሕ ኣልቦነት፡ ምድንዳን ወይ ዓሌትነት ኣጋጢምኩም፡ ናይ ቤት ኣልቦነት ነገራት ወይ ምውጻእ ካብ ገዛ፡ ብዛዕባ ናብ ትምህርቲ/ዩኒቨርሲቲ ምምላስ ተሻቒልኩም ወይ ካልእ ዝኾነ ነገራት እንተድኣ ኣጋጢምኩም ንሕና ክንሕግዘኩም ድሉዋት ኣሎና። ናትና ጉጅለ ናይ ኪኢላታት ናይ ስነኣ-እምሮኣዊ ፍወሳታት ኣብ’ዚ ከቢድ ግዜ ቀጻሊ ደገፍ ክህብ ይኽእል እዩ።

ኣብ ቴለፎን፡ ናትና ናይ ሓገዝ መስመር ኣማኸርቲ ምሳኹም ብእንግሊዝኛ፡ ኡርዱ፡ ፑንጃቢ ወይ ህንዲ ክዘራረቡ ይኽእሉ እዮም።

ናትና ኪኢላታት ስነ-ኣእምሮኣዊ ፍወሳታት ብእንግሊዝኛ፡ ሂንዲ፡ በንጋሊ፡ ፈረንሳይኛን ፑንጃቢን ናይ ተራፐቲክክ ደገፍ ክቕርቡ ይኽእሉ እዮም።